Fana: At a Speed of Life!

ምርኮኛ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ግንባር ደሴ ልዑል ኪሳራ ከምዝበፅሖ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) እቲ ግብረ ራዕዲ ቅንያቱ ኣዝዮም ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ኣባላት ብምስላፍ ኣብ ግንባር ደሴ ውግእ እንተኸፈተ እውን ልዑል ሰብኣዊን ቁሳዊን ኪሳራ ከምዝበፅሖ ኣብቲ ግንባር ዝተማረኸ ኣዛዚ ሜይደይ ክፍለ ሰራዊት እቲ ጉጅለ ራዕዲ  ኮሎኔል ጉዕሽ ገብረ ተዛሪቡ።

ጉጅለ ራዕዲ ትህነግ ሃገር ናይ ምፍራስ ትልሙ ንምዕዋት ብዙሓት እኩይ ተግባራት ይፍፅም ከምዘሎ እቲ ሙርከኛ ተዛሪቡ።

ብዙሓት ህፃናትን ሽማግለታትን ብዘይ ዕጥቂ ብምስላፍ ንዘየድሊ መስዋእቲ ይዳርጎም ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ።

ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ሜይዴይ ዝኾነ ወዲ 64 ዓመት ኮ/ል ጉዕሽ ገብሩ፥ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዘምሃሮ ሓይሊ ዲስፒሊን ዘይብሉ ብምዃኑ ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ብዙሓት ተግባራት መቕተልቲን ዘረፋን ከምዝፈፀመ ተዛሪቡ።

በዝሒ እቲ ሓይሊ ሰብ ምስ ዝተዓጠቖ መሳሪያ ዘይመጣጠን ብምዃኑ ኣብዝሓ ሓይኢ ሰቡ ብባዶ ኢዱ ብምስላፍ ናይ ጥይእ ሲሳይ ይኸውን ኣሎ ኢሉ።

ብምኽኒያት ቅልነትን ዕብዳንን ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ  ራዕዲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ስእነት ሰላምን ፀገምን ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ምርኮኛ፥ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ቁፅፅር ምውዓል ብሕታዊ ኣማራፂ መፍትሒ ከምዝኾነ ምዝራቡ ካብ መከላከያ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.