ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን መኣዲ ኣካፊሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ዝርከብ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ንዝርከቡ ዓቕመ ደካማታትን ንማሓበራዊ ፀገማት ዝተቓልዑ ወገናትን መኣዲ ኣካፊሉ።
እቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ዝተኻየደ ምዃኑ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ገሊፀን፡፡
በዓል ምስ ዓቕመ ደካማታት ሓቢርካ ምኽባርን ዝተፀገሙ ወገናት ምሕጋዝን ነባር ኢትዮጵያዊ ባህሊ ከምዝኾነ ፀሪሐን፡፡