Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽባር ናብራ ንምርግጋእ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 27፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽባር ናብራ ንምርግጋእ እናሰርሐ ምዃኑ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን።

ትማሊ ምሸት ግብረ ሓይሊ እታ ከተማ ብዝገበሮ ዳህሳስ፥ ዘይቲ ካብታ ከተማ ተፃዒኑ እንትወፅእ ከምዝተትሓዘ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ኣብ ዘይቲ ይኹን ካልኦት ሸቐጣት ዋጋ ንምውሳኽ ዘገድድ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኩነታት ከምዘየለ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፥ ሕፅረት የሃሉ እምበር ዘሎ ፍርያት ናብ ሕብረተሰብ ምቕራብ ግቡእ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

እቲ ምምርሕዳር እውን ምኽባር ናብራ ንምርግጋእ ዕዳጋ ሰንበት ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነን ኣድላይቲ ዝበሃሉ ፍርያታት ከምዝቐረቡን ከምኡ እውን ክትትል ቁፅፅርን እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 1 ቢሊየን ብር ሰሊዑ ንሸመትቲ ማሕበራት ብምክፍፋል ዕዳጋ ንምርግጋእ ንኽጥቀሙሉ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ናብ ህዝቢ ምብፅሑ ክትትል ከምዝግበርን ዝተመደበ በጀት ንውልቀ ረብሓ ኣብ ልዕሊ ዘውዕሉ ሸመትቲ ምሕረት ዘይብሉ ስጉምቲ ከምዝወስድን እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.