Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ኣደባባይ መስቀልን ባህረ ጥምቀት ጃንሜዳን ዝቐረቡ ሕቶታት ሓበራዊ ምይይጥ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ብፍፁም ቅንዕና፣ ምድምማፅን ምርድዳእን ብዝተመልኦ ስምዒት ከምዝተኻየደ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ካብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ መስቀልን ባህረ ጥምቀት ጃንሜዳን ኣመልኪቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ሓፂር እዋን ናይ ሓባር ኮሚቴ ብምጥያሽ ቀፀልቲ ዘተታት መሰረት ብምግባር ዘየዳግም ምላሽ ንመሃብ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ቤተ ክርስትያንን ምምሕዳር ከተማን ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዝምልከት ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተቐራሪቦም ከምዝሰርሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.