Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዛዘሚ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ስራሕቲ ምድላው ምዕራፍ  2015ን ብዝምልከት ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2014 በጀት ዓመት መጠቓለሊን ኣብ 2015 ስራሕቲ ምዕራፍ ምድላውን ገምጋምን ዘተን እናተኻየደ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ኣለሙን ምክትል ከንቲባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይን ተረኺቦም።

እቲ መድረኽ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማ ዝሳተፍሉ መድረኽ፤ ናይ 2014 ገምጋም ኣፈፃፅማታት ስራሕ መንግስትን ፓርቲን ናይ  2015 ነጥብታት ትኹረት ዘተ ከምዝግበር ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝነበሩ ሕፅረታትን ጉድለታትን ብምልላይ  ናይ ምምላእን ስጉምቲ እርማት ናይ ምውሳድን ኣብ ዝካኣለሎም ጉዳያት እውን ዘተ ክግበረሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ በጀት ዓመት ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ናይ ሓባር ስምምዕነት ብምፍጣር ናይታ ከተማ ልምዓትን ዕብየትን ንምቅልጣፍ፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕን፣ ህፁፃት ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕን ፅዕንቶ ናብራ ምቕናስን ኣብ ዝካኣለሎም ኩነታት ብምልዛብ ጠሚቱ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.