Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ልዕል 500 ሺሕ ዓቕሚ ንዘይብሎም መኣዲ ኣንጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ልዕል 500 ሺሕ ዓቕሚ ንዘይብሎም፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ኣብ ትሑት ናብራ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲን መኣዲ ኣንጊዱ።

ነዚ ዝጠመተ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘማሓለፍኡ መልእኽቲ፥ እንእንግዶ መኣዲ ጥራሕ እንተይኮነስ ንወገናትና ዘለና ፍቕሪን ኣኽብሮትን እውን ኢዩ ኢለን።

እቲ መኣጊ ምእንጋድ ወገናትና እቲ በዓል ብሓጎስ ንከሕልፍዎ ዝሕግዝ ኢዩ ክብላ እውን ገሊፀን።

ሰብ ተኮር ፖሊሲ መንግስቲ፣ ኣንፈትን ፃውዒትን ብምቕባል ሰሪሖም ካብ ዝረኽብዎ ንወገናቶም ምክፋል ባህሊ ንዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማን ወለንታዊያንን ንዝገብርዎ ድጋፍ አመስጊነን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.