Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንሰራዊት ምክለኻል ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ምግቢ ተንከፍን ክዳውንቲን ንሰራዊት ምክለኻል ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ 191 ሰንጋታት፣ 524 ኣባጊዕ፣ 287 ኩንታል ጥሕኒ፣ 151 ኩንታል ዳቦ ቖሎን 9 ሺሕን 949 ጫማን ዘካተተ ኢዩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ዝተኣከበን ሓገዝ ንብሄራዊ ኮሚቴ ኣካቢ ሃፍቲ ኣረኪበን።

ነበርቲ እታ ከተማ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንኹሎም ዜጋታት ብሄራዊ ኩርዓት ንዝኾነን ህይወቱ እንተይሰስዐ ንድሕንነት ሃገርን ህዝቢን እናተዋደቐ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ከምዝገበሩ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን።

ዝተገበረ ኩለመዳይን ሓገዝ ነበርቲ፥ ዝነኣድን ዘኹርዕን ከምዝኾነ ንኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት ብምውካል እቲ ሓገዝ ዝተረከባ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ኣካቢት እቲ ኮሚቴን ዳግማዊት ሞገስ ምግላፀን ኦቢኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.