Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 2100 ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 2 ሺሕን 160 ሊትሮ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ዝመልአ 72 ጀረካን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዘውዓለ ገሊፁ።

እቲ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝተትሓዘ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ዘፈር መንግሰታዊ ኣገልግሎት እታ ከተማ ኣይተ ግርማይ ዕቑባይ፥ ብሓበሬታ ህዝቢ ተታሒዙ ዘሎ ነዳዲ ብሕቡእ ብኣይሱዝ ተፃዒኑ ብባጃጃት እናተኸፋፈለ ንኽሸየጥ ተዳልዩ ምንባሩ ገሊፆም።

ምስ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ብሓባር ብምዃን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዝኣተወ እውን ሓቢሮም።

ቅድም ክብል እውን ንዝተኸዘነ መሰረታዊ ሸቐጣት ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ልዕሊ 90 ጀረካን ዘይቲ ተሓቢኡ ከም ዝተረኸበ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ሸረ እንዳ ሰላሰ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.