Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዘጋጠሞም ነበርቲ ወረዳ ስለዋ 6 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዘጋጠሞም ነበርቲ ወረዳ ስለዋ 6 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ዘተኣኻከቦ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣተሓባባሪ ተመዛበልቲ  ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሰሎሞን ፀጋይ(ዶ/ር)፥ 200 ካርቶን ክዳውንቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ናውቲ ነቶም ግዳያት ሓገዝ ተበርኪቱሎም ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሰለዋ ጣቢያ ስምረት ቁሸት ኣምባ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎጣት ማይ ኣምላን ምችኣል ኣምላን ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ፣ ገዛውትን እንስሳን ሓደጋ ከምዘጋጠመ የዝከር።

እቲ ጋህሲ መሬት ኣብቲ ከባቢ ብምኽኒያት ዝዘነበ ልዑል ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብጭቡጥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ ልዕሊ 725 ሄክታር ብዝራእቲ ዝተሸፈነ መሬት ብምኽንያት እቲ ጋህሲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ወረዳ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት 600 መራሕቲ ስድራ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዓቚቦም ከምዘለው ድማ ተገሊፁ።

ሰኣን ምግቢ፣ ክዳንን መፅለልን ኣብ ከቢድ ሂወት ዝርከቡ እቶም ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ሓገዝ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢን ወፃኢ ዓድን ዘሎ ህዝቢ ብዝኸኣሎ ነቲ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝብና ክሕግዝ ይግባእ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.