Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ወራር መሬትን ጉዳያት ፀፅታን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወራር መሬትን ጉዳያት ፀፅታን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመረፁ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ተሳለጡ ስራሕቲን ሕቶታት ህዝቢን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ስርዓት ምገባ፣ ሰላምን ፀፅታን ንምምሕያሽ ዝግበር ፃዕሪ፣ ኣፈፃማ ህንፀት ፕሮጀክታት፣ ኣፈፃፅማ ፅሬትን ፅባቐን ከባቢ ብዝምልከት እቲ ምምሕዳር እናሰርሖም ዝርከብ ስራሕቲ ንኢዶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ምኽባር ናብራ፣ ቀረብ ህንፀት፣ ወራር መሬትን ጉዳያት ፀፅታን እቲ ኣመራርሓ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን÷ በቢ ብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ብምውራድ ምስ ህዝቢ ተቐራሪቡ ንኽርሕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪበን፡፡

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ነበርቲ ንዝለዓሉ ሕቶታት በቢብርኩ ምላሽ እናሃበ ከምዝርከብ ምግላፀን ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.