Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብግፍዒ ውላዳ ንዝሰኣነት ኣዶ ህፃን ሄቨን መንበሪ ገዛ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብግፍዒ ውላዳ ንዝሰኣነት ኣዶ ህፃን ሄቨን መንበሪ ገዛ ኣረኪቡ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳርን ሎሚ ኣዶ ሄቨን ብምርካብ ኣፅናዕኒዖም።

ውላዳ ብግፍዒ ስኢና ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፍትሒ ከይረኸበት ዝፀንሐት  ሲስተር ኣበቅየለሽ ከይዲ ፍትሒ ንምክትታል፣ ዘላትሉ ኩነታት ዝሓሸ ንክኾነላ ተቓላዓይነታ ንምቕናስ ነክጥዕም እቲ ምምሕዳር ሓደ ናይ መንግስቲ መንበሪ ገዛ ኣበርኪቱላ።

ብተወሳኺ ብሙያኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክትሰርሕ ከምዝተጠዓዓመ እተን ከንቲባ ገሊፀን።

ጉዳይ ህፃን ሄቨን ናይ ኩላህና ብምዃኑ ግቡእ ፍትሒ ምርካብ ናይ ካልኦት ህፃናት ተቓላዓይነት ንምቕናስ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ኢዩ ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.