Fana: At a Speed of Life!

ምሕፅንታ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግዘ መዐደጊ ኢዩ- ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ-ጄራልድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰምዐ ምሕፅንታ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዘላቒ ሰላም ዕድል ንምሃብ ዘይኮነስ ካብ ዘጋጠሞ ክሳራ ንምምላስን ግዘ መዐደጊን ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ-ጄራልድ ገሊፀን።

ኣን ፊትዝ-ጀራልድ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕጋዊ ከይዲ ዘየማልአ ምሕፅንታ ደው ምባል ተዂሲ ዘቕርብ ዘሎን ብዛዕባ ሰላም ዘውፅኦ መግለፂን ዝተረፎ ሓይሉ ኣተኣኻኺቡ ንቐፃሊ ኲናት ንምድላው ከመዝኾነ ተዛሪበን።

ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝጌራልድ ኣብ ካናዳ ተመራማሪት ዓለም ለኸ ጉዳያት ፀፅታን ዲን ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ጉዳያት ባልሲሊን ኢየን።

ብዝውዝዖ መደናገሪ እፎይታ አንተረኺቡ ዕድጊት ኣፅዋር ኲናት ከምዝፍፅምን ሓይሊ ሰራዊቱ ኣተኣኻኺቡ ጎረባብቲ ክልላት ምእታዉን ዘይተርፍ ኢዩ ኢለን።

ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ጎረባብቲ ዜጋታት ከምኡውን ዶቡ ናይ ምኽባርን ሉእላዊነቱ ናይ ምርግጋፅን ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀፃሊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ዝቕፅል እንተኾይኑ መንግስቲ ኮፍ ኢሉ ክሪኦ ኣይብሉን ክብላ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ኣረዲአን።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝን ዓለማየሁ ገረመውን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.