Fana: At a Speed of Life!

ምሕደራ ሓበሬታ ሽዱሽተ ከተማታት ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕደራ ሓበሬታ ሽዱሽተ ከተማታት ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኢዩ።

እቲ ምሕደራ ሓበሬታ፥ ከተማታት ባዕለን ንኸፋልጣ፣ ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ህዝቢ ንኽፈልጦም፣ ዝህበኦ ኣገልግሎት ንኅፋለጥ፣ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ሰባት ዝተማልአ ሓበሬታ ንኽረኽቡ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ባህር ዳር፣ ሃዋሳ፣ ኣዳማን ኣርባምንጭን ምሕደራ ሓበሬታ ከተማታት እናለምዐለን እንትኸውን፥ ባዕሎም ምምሕዳር ንኽኽእላ ሰብ ሞያታተን ብኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እቲ ስልጠና ከተማታት ምሕደራ ከተማታተን ንኸመሓድራ፣ ሓበሬታ ንኽኽዝና፣ ሓደሽቲ ምምሕያሻት ንኅውስኹ፣ ኣጠቓቕምኡ ንኽፈልጡን ቀፃሊ ዝኾነ ኣገልግሎት ንኽወሃብ ዘኽእለን ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ከተማታት ምሕደራ ሓበሬታ ከተማ ንኽህልወን ከምዝስራሕ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.