Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ቻይና ኣፍሪካ ንምጥንኻር ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ዢ ሺን ፒንግ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነት ቻይና ኣፍሪካ ንምጥንኻር ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ሺን ፒንግ ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት መበል 36 ጉባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

ፕሬዝዳንት ዢ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ዝተፈጠሩ ፀገማት ብንቕሓት ንኽፍትሑ፣ ህንፀት ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ቀተና ኣብ ምቅልጣፍን ኣብ ምትዕራቕን ዓብዪ ግደ ከምዝተፃወተ ኣብሪሆም።

ኣፍሪካ ብብርኪ ዓለም ዓለም እናሕደረቶ ትርከብ ፅዕንቶ እናዓበየ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ “ንህዝቢታትን ሃገራን ኣፍሪካ ልዑል ዓወት ይምነ ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ምሕዝነት ቻይና ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንምጥንኻር፣ ኣብ ዓለም ለኸን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ብቕርበት ንምውዳድን ንምትሕብባርን ከምኡ እውን ኣብ ምጥንኻር ቀፃላይ ሓራዊ ተረባሕነት ዘለዎ ህንፀት ማሕበረሰብ ቻይና እፍሪካ ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.