Fana: At a Speed of Life!

ምልምል ሰልጠንቲ ምክልኻል ኣድማን ስሩዓት ፖሊስ ሰላም ንምፅናዕ ኣብ ዘኽእል ቁመና ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምልምል ሰልጠንቲ ምክልኻል ኣድማን ስሩዓት ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ካብቲ ክልል ሓሊፉ ድሕንነት ሃገር ንምሕላው ኣብ ዘኽእል ድልዉነት ከምዝርከቡ ሓላፊ ቢሮ ፀፅታት ሰሰላምን ሳለኝ ጣሰው ገሊፆም፡፡

እቶም ሓላፊ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰረታዊ መሰልጠኒ ውትድርና ብር ሸለቆ ብምርካብ ንምልምል ሰልጠንቲ ብምብርትታዕ ዕላማ እቲ ስልጠና ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቦም።

ሰልጠንቲ ሰላም እቲ ክልል ብዘላቕነት ብምርግጋፅ ህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ፈተና ተናጊፉ ገፁ ናብ ልምዓት ንኸዝውር ኣብ ምግባር ልዑል ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም፡፡

ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ናፃ፣ ዘይሻራዊ፣ ወታደራዊ ስነ ምግባር ዝተላበሰ ከምኡ እውን ብስነ ልቦና ዝዓበየን ብርእሰ ዓቕሚ ሰላም እቲ ክልል ከረጋግፁ ዝኽእሉ ሰልጠንቲ ምፍራይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሓላፊ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ሰልጠንቲ ካብ ክልል ሓሊፉ ድሕነት ሃገር ንምሕላው ኣብ ዘኽእል ቁመናን ድልዉነትን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም ኢሎም።

ሰልጠንቲ ኣብ ኣመለኻኽታ፣ ንድፈ ሓሳብን ተግባርን ዝተሓገገዘ ስልጠና ከምዝወሰዱ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.