ምላሽ ሕቶ ኣወዳድባ ንልምዓት እንበር ንሌባ ከይምችው ኩሉ ክረባረብ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምላሽ ሕቶ ኣወዳድባ ንልምዓትን ምዕባለን እንበር ንሌባ ከይምችው ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ኣፈጉባኤ፥ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ 6 ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ኣብ ሓደ ተወዲበን ክልል ክንከውን ኣለና ኢለን ብምስምዕምዐን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተጣይሹ ኣሎ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መስራቲ ጉባኤ እውን ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝተፈጠረት መበል 12 ክልል ምዃና ገሊፆም።
ነቲ ክልል ሓዱሽ ባጀት ካብ መንገስቲ ፌዴራል ዘይምደብ ብምዃኑ ሰፊሕ ስራሕቲ ልምዓት ብምስራሕን ፍልፍላት ኣታዊ ብምስፋሕን እቲ ክልል ብሓባር ምልማዕ ሓላፍነት ናይቲ ኣመራርሓን ሀዝብን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፥ ምላሽ ሕቶ ኣወዳድባ ንልምዓትን ምዕባለን እንበር ንሌባ ከይምችው ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ብማቱሣላ ማቴዎስ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።