Fana: At a Speed of Life!

ሜዲካል ኮሌጅ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ፣ ደብረ ታቦርን ወቻሞን ተምሃሮኦም ኣመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሜዲካል ኮሌጅ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ፣ ዩኒቨርሲቲታት ደብረ ታቦርን ዋቸሞን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠነኦም ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቐን።

ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ብመርሃ ግብሪ ድህረ ምረቓ፣ ስሩዕን ተኻታታሊን ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 223 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ሓሙሽተ ኮሌጃት ብ11 ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ዘመረቐ እንትኸውን፥ ካብ ውሽጢ ዚኣቶም ካብ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ብቅድመ ምረቓ ዶክትሬት ሕክምናን ብድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብን፤ 36 ደቂ ተባዕትዮን 6 ደቂ ኣንስትዮኝ ብሓፈሻ 42 ተመረቕቲ ይርከቡዎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ፥ ዓውዲ ትምህርቲ ሕክምና ልዑል ፍልጠትን ብዙሕ ትዕግስቲን ከምዘድሊዮ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቴ ዶክተር ሃብታሙ ኣበበ ብግደኦም፥ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝተምሃሩዎ ትምህርቲ ፀገም ሰባት ብምፍታሕ ከምኡ እውን ብመፅናዕቲን ምርምርን ከዕቢዩዎ ይግባእ ኢሎም።

ሜዲካል ኮሌጅ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ፥ ብዲግ ሕክምና ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

እቲ ሜዲካለል ኮሌጅ ሎሚ መዓልቲ 15 ተምሃሮ ብዶክትሬት ዲግሪ ዘመረቐ እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 300 ተምሃሮ ድማ ኣብ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ዲን እቲ ኮሌጅ ድሪባ ደገፋ ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ደብረታቦር ብግዲኡ፥ ንፈለማ እዋን ብሃይብሪድ ኢኖቬቲቭ ካሪኩለም ብዶክትሬት ዲግሪ ዘሰልጠኖም 26 ተምሃሮን 33 ዶክተራት ሕክምናን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ኣፈወርቅ ካሱ፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ በቲ ዘኣተዉዎ ስነ-ምግባር ሕክምና ቃል መሓላ ተሓጊዞም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ንኽኾኑ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.