Fana: At a Speed of Life!

ሜዲካል ኮሌጅ ለካቲት 12 ሆስፒታል ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘምሀሮም ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሜዲካል ኮሌጅ ለካቲት 12 ሆስፒታል ሎሚ ዕለት ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘሰልጠኖም ተመሃሮ ኣመሪቑ፡፡

እቲ ሜዲካል ኮሌጅ÷ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች አበቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ ማስተርስን ዶክትሬት ዲግሪን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም ተመሃሮ እዩ ዘመረቐ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብቲ እዋን ÷ግልጋሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ሕማም ንምክልኻልን ሓኺምካ ምድሓንን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኤን፡፡

ኣብታ ከተማ ዓበይቲ ሪፈራል ሆስፒታላት ካብ ምህናፅ ኣልዒሉ ሆስፒታላት ብምምዕባል ናውትታት ሕክምናን ብቑዕ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምምላእን ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡

ቱሪዝም ዓውዲ ጥዕና ንምዕባይ ብመንግስቲ ጥራሕ እኹል ብዘይምዃኑ ኣብ ውልቀ ዘፈር ንምስታፍ ጠመተ ከምዝተውሃቦ ኣረዲኤን፡፡

ሎሚ ዕለት ዝምረቑ ዘለው ሰብ ሙያታት ሙያኦም ብዝፈቕዶ ስነ-ምግባር ህዝብን ሃገርን ከገልግሉ ኣተሓሳሲበን፡፡

ብሚልኪያስ ኣዱኛ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.