Fana: At a Speed of Life!

ማዕቐብ ፀገም ኣብ ዘጋጠመን ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ዝጉድእ ኢዩ-ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕቐብ ሰብኣዊ ቅልውላው የበኣእስ፤ ፀገም ኣብ ዘጋጠመን ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ዝጉድእ ኢዩ ክብል ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንምስላጥ ጎንፂ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምውሳኑ በእወንታ ከምዝርእዮ እቲ ትካል ገሊፁ።

ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ጉጅለ ልኡኽ እቲ ትካል ፋቲማ ሳቶር ንግዜኢ ከምዝበልኡ፥ እቲ ትካል ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ኲናት ካብ ዝጅመኘር ጀሚሩ ደገፍ ይገበር ከምዘሎ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ፀገም ንዘለዉ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣድላዪ ደገፍ ሕክምና፣ ምግብን ናውቲ ገዛን ይግበር ከምዘሎ ሓቢረን።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 40 ደገፍ ሕክምና ዝሓዙ በረራታት ናብ ትግራይ ከምዝገበረ ገሊፀን።

እቲ ትካል ኣብ ክልል ሶማሌ፣ ዓፋርን ሶማሌን ንዝርከቡ ኣስታት 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዝኾኑ እንስሳት ደገፍ ክታበትን ምግብን ከምዝገበረ እውን ሓቢረን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.