Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ስልጠና ፋና ፍቓድ ኣፍልጦ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ስልጠና ማሕበር ኣክሲዮን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓፀርቲ ስልጠናታት ንኽህብ ካብ ምምሕዳር ከተማ ፍቓድ ኣፍልጦ ረኺቡ።

እቲ ማእኸል ስልጠና ንዘሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ስልጠናታት ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽንን ንመሃብ ቅድመ ምድላው እናገበረ ምፅንሑ ተሓቢሩ፡፡

ነቲ ማእኸል ፍቓድ ኣፍልጦ ዝሃቦ፥ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል መዚ ስልጣና ፅሬት ትምህርቲ፣ ምርግጋፅን ምዘናን ብቕዓት ሞያ ኢዩ።

ዳይሬክተር ስልጠና ትካላት ትምህርቲ፣ ስልጠናን ምሕዳስ ፍቓድ ኣፍልጦን ወ/ሮ የኣይኔኣበባ ሰርጉ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተረኺበን ንዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣረኪበን።

እቶም ሓፀርቲ ስልጠናታት ብሞያ ጋዜጠኝነት፣ ብሚዲያ ቴክኖሎጂ፣ ኮሙዩኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን፣ ማርኬቲንግ፣ ፋይናንስን ምምሕዳራዊን ከምኡ እውን ተዛመድቲ ዓውዲታት ሞያ ንዝተውፃእፅኡ 19 ዘፈራት ዘካተተ ስልጠና ኢዩ።

ሃበነዮም ሲሳይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.