ማእኸል ምኽባር ሰላም መከላላኸሊ ዓለም ለኸ ትካል መሰልጠኒ ምኽባር ሰላም ምስ ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምኽባር ሰላም መከላላኸሊ ዓለም ለኸ ትካል መሰልጠኒ ምኽባር ሰላም ምስ ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተፈራሪሙ።
ኣብቲ ስምምዕነት ብሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ዓለም ለኸ ምኽባር ተልእኾ ሰላም ዝፈፀምዎ ውፅኢታዊ ግዳጃት፣ ተልእኾ እቲ መሰልጠኒ ትካልን ዝተሰርሑ ስራሕቲን ከምኡውን ኣወሃህባ ትምህርቲ ብዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።
ኣዛዚ ማእኸል ምኽባር ሰላም መከላላኸሊ ዓለም ለኸ ትካል መሰልጠኒ ምኽባር ሰላም ብርጋዴር ጄኔራል ሰብስቤ ዱባ፥ እቲ ትካል ሰላም ንምኽባር ዝዋፈሩ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስን ስቪል ኣባላትን ቅድመ ምውፋር ስልጠናታት ብምጥንኻር ይህብ ኣሎ ኢሎም።
እቲ ስምምዕነት ነቶም ስራሕቲ በዝበለፀ ንምጥንካር ከምዝሕግዝ እውን ሓቢሮም።
ዳይሬክተር ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሺፈራው ብግደኦም፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዉ ስልጠናታት ምኽባር ሰላም ትካላት ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ድጋፍን ስልጠናናን ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ምዝራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።