Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ምርምር ቻይና-ኣፍሪካ-ዩኒዶ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ማእኸል ምርምር ቻይና-ኣፍሪካ-ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብሕቡራት መንግስታት(ዩኒዶ) ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ኣቦ መንበር ኤጀንሲ ምትሕበባር ዓለም ለኸ ልምዓት ቻይና ሉኦ ዣኦሁይን ዋና ዳይሬክተር ዩኒዶ ገርድ ሙለር ነቲ ማእኸል መሪቖም ከፊቶም።’

እቲ ማእኸል፥ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋፅ፣ ግብርና ንምምሕያሽን ከእለት ንምምዕባልን ከምዘገልግል ኣብ ዩኒዶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ 2063፣ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ስትራቴጂካዊ ማዕቀፋትን ዝተጠዓዓመ ፕሮግራም ልምዓት ከምዘለዉ እውን ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.