Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል መሐገዚ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ቁፅሪ ተደገፍቱ ልዕሊ 3 ሺሕ ንምብፃሕ ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ማእኸል መሐገዚ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ቁፅሪ ድጋፍ ዝገብረሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ልዕሊ 3 ሺሕ ንምብፃሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ነዚ ዝኸውን ቦታ ከምዝተረከበ እውን ሓቢሩ።

መስራቲን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ማእኸል ኣባ ገብረመድህን በርሀ፥ እቲ ማእኸል ኣብ ቀፀልቲ ሓሙሽተ ዓማውቲ ደገፍ ዝገብረሎም ኣካላት ቁፅሮም ክብ ንምባልን ኣገልግሎቱ ንምስፋሕን ዘኽእሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ነዚ ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዝተረከቦ 43 ሺሕ ካሬ ሜትሮ መሬት በዓል ሰለስተ ደብሪ ህንፃ ንምህናፅ ስራሕ ከምዝጀመረ ተዛሪቦም።

እቲ ህንፃ ልዕሊ 400 ኣገልግሎት መውሃቢ ክፍልታት ዘለውዎ እንትኾኑ፥ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝህነፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ማእኸል መውሃቢ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሙያ፣ ማእኸል መሀደሲ፣ መአከቢ ኣዳራሽን ካልኦት ኣገልግሎት መውሃቢን ዘካተተ ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተኻረዮ ህንፃ 26 ሕሙማን ብምቕባል ስርሑ ዝስጀመረ እቲ ማእኸል፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለን ዓዲግራትን ን150 ሕሙማን ኣእሙሮ፣ 50 ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት፣ 100 ናባዪ ዝሰኣኑ ኣረጋዊያንን ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.