Fana: At a Speed of Life!

ማኣኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ንኽልተ መዓልቲ እናካየዶ ዝቐነየ ስሩዕ ኣኼባ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማኣኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ንኽልተ መዓልቲ እናካየዶ ዝቐነየ ስሩዕ ኣኼቡኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ዛዚሙ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ሰላም፣ ልምዓት፣ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን መፃኢ ሃገራዊ መረፃን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ብዕምቆት ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ፡፡

ብዋንኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ለውጢ ብዙሓት ፖለቲካዊ ፈተናታት ተጋፊጡ ምዕባለ ሃገር ጋህዲ ንምግባር ሰፋሕቲ ዕድላት ዝፈጠረን ሃገር ካብ ምብታን ዘድሓነን ምዃኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ፡፡

ብፍላይ ፓርቲ ብልጽግና ውሁድ ህብረ ብሄራዊ ሃገራዊ ፓርቲ ኮይኑ ምውዳቡ ሓደ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዓቢዪ ዕድል ካብ ምፍጣሩ ንላዕሊ ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ እዛ ሃገር ተገሊሎም ዝነበሩብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ከሓቁፍን ከሳትፍን ዝኸኣለ ናይ መፃኢ ወለዶ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ሃገራዊ ልውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ሓሊዩ ክቕምቕፅል ብምግባር ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ምድንፋዕ ከምዘድሊ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ነዚ ድማ መምርሒታት፣ እሴታትን ኣሰራርሓታትን እቲ ፓርቲ ብጥቡቕ ስነ-ምግባር ተግባራዊ ምግባርን ጥንኩር ትካላዊ ባህሊ ምህናፅን ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.