ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማኔጂንግ ዳይሬክተር ትካል ገንዘብ ዓለም(ኣይ ኤም ኤፍ) ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።
ክሪስታሊና ጂዮርጂቫ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ፥ ሚኒሰተር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋን(ዶ/ር)ን ኣቀባብላ ገይረሙለን።
እተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣብ ዑደተን፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ መርኣዪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ፖሊሲኡ ቀዳምነት ኣብ ዝህቦም ጉዳያትን ዝካየዱ ዘለዉ መመሓየሺታት ኢኮኖሚን ክዝትያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብተወሳኺ ምስ ተወከልቲ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ዕድላት ዕዳጋን ከምዝዛተያ ተሓቢሩ።
ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርኡ ዑደት ብማኔጂንግ ዳይሬክተር ድሕሪ ምምራፀን ፈላማይ ኢዩ።