Fana: At a Speed of Life!

ማረት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ንዝርከቡ 80 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝኸውን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለን ሽረእንዳስላሰን ንዝርከቡ 80 ሺሕ ተመዛበልቲ ዝውዕል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቕረበት ኣፍሊጣ።

እታ ማሕበር ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኩነታት ምኽንያት በቢመዓልቲ ናተን ከተማታት ተመዛበልቲ እናኣተዉ ከምዝርከቡ ገሊፃ።

ብመሰረት እዚ ነቶም ተመዛበልቲ ዝኸውን ልዕሊ 241 ሺሕ መሕፀቢ ሰውነት ዝኽውን ሳሙና፣  24 ሺሕ መሕፀቢ ኢድ ሳሙናን 2 ሺሕን 900 ጀሪካናትን ብሓገዝ ኣበርኪታ።

እቶም ሓገዛት ካብ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝተኣኻኸቡ ከምዝኾኑ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ማረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ብኣቕርቦት ሓገዝ ተበፃሕቲ ከምዝገበረ ምግላፁ ይዝከር።

ከይዲ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ምዝዛሙ ዝገለፀ እቲ ምምሕዳር፥ ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጅማር ዘኽአል ትኽክለኛ መረዳእታ ይተሓዝ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ቁፅሪ ተመዛበልቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 1 ሚሊየን ብምዃኑ ኣብ ከተማ መቐለን ሽረን መዓስከር ስደተኛታት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.