Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢትን ማረትን ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ንዘሎ ድርቂ ንምክልኻል 20 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢትን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ(ማረት)ን ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ንዘሎ ድርቂ ንምክልኻል ነንሕድሕደን 10 ሚልየን ብድምር 20 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይረን።

እቲ ደገፍ፥ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ምምካት ትካላት ዝኸኣሎኦ ደገፍ ንክገብራ ዘመሓላለፎ ፃውዒት ስዒቡ ዝተገበረ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ(ማረት) ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ካልኦት ስራሕቲ ህፁፅ ሓገዝ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ማረት ኣብ ዝወዘዐቶ ሓበሬታ ሓቢራ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ፥  ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር ምስልዑ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.