Fana: At a Speed of Life!

ማረት ብልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ዝዓደገቶ ዘበናዊ መመርመሪ መዓር ንቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ኣረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ(ማረት) ብ2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ዝተዓደገ ዘበናዊ መመርመሪ መዓር ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ኣረኪባ።

ማረት ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ኦክስፋም ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ዝዓደገቶ እቲ መመርመሪ ቅድም ኢሉ ቃል ተኣትይሉ ዝነበረ እንትኸውን፥ ስነ ስርዓት ርኽክብ ትማሊ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

እቲ ዘበናዊ መመርመሪ መዓር ኣብ ትግራይ ንመጀመሪያ ግዘ ዝተኣታተወ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ማዓር ዘጋጥም ዝነበረ ምስ ባእድ ነገራት ናይ ምትሕውዋስ ፀገም ኣብ ምትራፍ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝህልዎ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ፥ “እዚ ማሽን ካብቶም ሕርሻ ትግራይ ንምዝማን እንጥቀመሎም መሳርሒታት ሓደ እታወት እዩ፤ ንቐፃሊ ድማ እናማዕበልናዮን እናስፋሕናዮን ክንከይድ ኢና” ኢሎም።

ነቲ ዝተኣታተወ ሓዱሽ ዘበናዊ ላብራቶሪ ዝከታተሉ 20 ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ፥ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብዝመፅኡ ሰብ ሞያ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.