Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሙሉእ ናውቲ ሕክምና ዝተማለአሎም 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ሽዱሽተ ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ።

እተን ኣምቡላንሳት÷ ብሓገዝ ትካል ሰብኣዊን ሲቪል ሓለዋን ሕብረት ኣውሮፓ ከምኡ እውን ብኤጀንሲ ልምዓት ኦስትሪያ ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኣርባዕቲአን ኣምቡላንሳት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከባቢ ባምባሲን ዳንጉርን ንዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ግልጋሎት ክህባ ኢየን ተባሂሉ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ጌታቸው ታኣ ከምዝገለፁዎ÷ “ሎሚ ካብ ዝተረከብናዮም ኣምቡላንሳት ብተወሳኺ ንዝቕፅሉ 18 ኣዋርሕ 10 ኣምቡላንሳት ንመካየዲ ስራሕ ዝሽፍን ወፃኢ ሓገዝ ተገይሩ”።

ተወካሊ ቀይሕ መስቀል ኦስትሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ተመስገን ኣበበ እቲ ሓገዝ እንተረክቡ ከምዝበሉዎ÷ እተን ኣምቡላንሳት ን22 ሺሕን 500 ሰባት ግልጋሎት ክህባ ዝኽእላ ኢየን፡፡

ብቅድስት ኣባተ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.