Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንትግራይ ሓዊሱ ንኣርባዕተ ክልላት ኣፋውስን ናውቲታትን ሕክምና ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ቤኒሻንጉልን ኣፋውስን ናውቲታትን ሕክምና ኣረኪቡ።

እቶም ኣፋውስን ናውቲታትን ሕክምና ልዕሊ 58 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ኣብተን ክልላት ንዝርከባ 32 ትካላት ጥዕና ዝከፋፈል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ትካላት ግቡእ ኣገልግሎት ንክህባን ሕማማት ንምክልኻልን ኣድላዪ እታዎት ነክህልወን ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

እቲ ማሕበር ምስ ቢሮ ሓበራዊ ልምዓት መንግስቲ ኢንግሊዝ ብምትሕብባር ዝገብሮ ዘሎ ‘‘ኢትዮጵያ ቱ ረዚለንስ’’ ንዝተብሃለ ፕሮጀክት ክልተ ዓመት ኣፈፃፅማ ዝድግፍ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍቅርተ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.