Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ሰብ ሞያታት ሕጊ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ኢትዮጵያ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ሰብ ሞያታት ሕጊ ጉዱኣት ኣካል ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዕሊ ተጣይሹ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጥያሽ እቲ ማሕበር፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ፣ ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬን ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዶክተር ዳንኤል በቀለን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበር ብምጥያሹ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስቲ ማሕበር ተሓባቢሮም ንምስራሕ ቃል ምእታዎም ካብ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መስራቲትን ኣካቢት ቦርድን እቲ ማሕበር ትነበርሽ ንጉሴ ብግደአን፥ ማሕበር ሰብ ሞያታት ሕጊ ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተጣየሸ ሙያዊ ማሕበር ጉድኣት ኣካል ብምዃኑ ታሪኻዊን ንጉድኣት ኣካላት ዓቢዪ ምዕራፍ ከምዝኾነን ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.