Fana: At a Speed of Life!

ማሕበራዊ ሚዲያ ብግቡእ ዘይጥቀሙ ኣካላት ብር ካብ 50 ሺሕ ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ከምዘቕፅዕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበራዊ ሚዲያ ብግቡእ ዘይጥቀሙ ኣካላት ብር ካብ 50 ሺሕ ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ከምዘቕፅዕ ተገሊፁ።

ኣብ ዳይሬክቶሬት ትምህርቲን ስልጠናን ዓቃቢት ሕጊ የሰውዘር ኣበበ ከምዝበለኦ፥ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝምልከት ብሕጊዘ ተቐመጡ ገደባት ብዘይምምሕልላፍ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ምጥቃም ይግባእ።

ይኹን እምበር ማሕበራዊ ሚዲያ ንዘይተደለየ እኩይ ተግባር ብምውዓል ንመተሓላለፊ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ፅልኢት ዘረባን ብምጥቃም ሰብኣዊ ክብሪ ካልኦት ሰባት ዝነኽኡ ከምኡ እውን ብዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ሕብረተሰብ ክደናገር ብምግባር ኣግባብ ብዘይኮነ መገዲ ዝጥቀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገብር ዝርገሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ፅልኢት ዘረባን ዝኽልክል ኣዋጅ ወፂኡ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ገሊፀን።

ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ሞንጎ ዝተጠቓለሉ ድማ ብብሮድካስት፣ ሕትመት ወይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምኡ እውን ተመሳሰልቲ መገዲታት ብምጥቃም ናይ ፅልኢት ሓበሬታ ዘመሓላለፈ ኣካል፤ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበፅሕ እስራትን ብር 100 ሺሕ ከምዘቕፅዕን ኣብሪሀን።

በቲ ዝተመሓላለፈ ናይ ፅልኢት ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰብ ወይ ድማ ትካል ጉድኣት እንተበፂሑ፥ እዋን መቕፃዕቲ ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ክበፅሕ ዝኽእል ቅፅዓት ክመሓላለፈሉ ከምዝኽእል እውን ኣገንዚበን።

ብተወሳኺ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ኣደባባይ ኣኼባታት፣ ብብሮድካስት፣ ብማሕበራዊ ሚዲያ ወይ እውን ብኻሊእ ተመሳሳሊ መተሓላለፊ መገዲ ኣቢሉ ብምስሊ፣ ብፅሑፍ ወይ ድማ በቪዲዮ ብምጥቃም ዝፈነወ ሓደ ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብር 50 ሺሕ ቅ            ፅዓት ክመሓላለፈሉ ከምዝኽእል እተን ዓቢት ሕጊ ገሊፀን።

እቲ ሓበሬታ ልዕሊ 5 ሺሕ ተኸተልቲ ብዘለዉዎ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተመሓላለፈ እንተኾይኑን ጉድኣት ዝበፅሐ እንተኾይኑን ግን መጠን መቕፃዕቱ ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ክበፅሕ ከምዝኽእል ምግላፀን ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.