Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ዝገበሮ ምቹው ኩነታት ብምጥቃም ናብ ትግራይ ዝለኣኽ መጠን ሓገዝ ከብ ከብሎ ይግባእ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ምግብን ነዳድን ዝፀዓና 50 ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ናብ ተግራይ ምልኣኸን ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣብ መግለፂኡ፥ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ደገፍ ብግቡእ መገዲ ንክበፅሕ መእንቲ ውሳነ ደው ምባል ጎንፂ ምትሕልላፉ ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ስዒቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ንምብፃሕ ብዙሓት ፃዕሪታት እንትገበር ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

እቲ ውሳነ ካብ ዝውሰን ዕለት ጀሚሩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብዝኸኣልዎ መጠን መድሓኒት፣ ናውቲታት ሕክምና፣ ገንዘብን ሃነፅቲ ምግብታትን ብነፈርቲ በቢመዓልቱ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ኩነታት ከምዝተመቻቸወ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ እኽሊ ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ኣቲየን ኢየን ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ድማ ምግቢ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲን ነዳዲ ዝፀዓና 3 ተሽከርከርቲን ብድምር 50 ናይ ፅዕነት መካይን  ካብ ሰመራ ናብ ትግራይ ይጎዓዛ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ተወሳኺ 10 ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ጉዕዞ ከምዝጀመራ እውን ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ዝገበሮ ምቹው ኩነታት ብምጥቃም ናብ ትግራይ ዝለኣኽ መጠን ሓገዝ ክብ ከብሎ ይግባእ ድማ ኢሉ።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ወራሪ ሓይሊ ሒዙዎም ካብ ዘሎ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ንክወፅእን ምቹው መተሓላለፊ መስመር ሓገዝ ምዝርጋሕ ንክከኣልን ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ንክገብር መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.