Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ተኮር ብሄራዊ ልዝብ ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣዳላውነት ሚኒስቴር ሰላም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ማሕበረሰብ ተኮር ብሄራዊ ልዝብ ኣብ መላእ ሃገር ብዕሊ ተጀሚሩ።

ከይዲ እቲ ማሕበረሰብ ተኮር ብሄራዊ ልዝብ፥ ኣብ ከባቢያዊን ሃገራዊን ጉዳያት ክብ ስድራቤትን መንደርን ተበጊሱ መላእ ማሕበረሰብ በቢብርኩ ስልጡን ምይይጥ ብምግባር ሓበራዊ ምርድዳእን ብሄራዊ ምርድዳእን ዝመፅአሉ መገዲ ንምምችቻው ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሞንጎ ኣብቲ ብሄራዊ ልዝብ ትፅቢት ዝግበረሎም ብዙሓት ውፅኢታት፥ ስልጡን፣ ምኽንያታዊን ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ዘረጋግፅ ማሕበረሰባዊ ዓቕሚ ምዕባይን ይርከቡዎም፡፡

ብዝሰልጠነን ዝተወደበን መልክዑ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ህንፀት ሰላምን ዴሞክራሲን ዝሳተፍ ማሕበረሰብን ውልቀሰብን ምስ ባዕሉ፣ ኣብ ውሽጢ ስድርኡን ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብን ብተዋረድ ካብ ዘለዉ ኣገልግሎታት ምዕባይ ከምዝርከቡዎ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስቴር ሰላም፥ እቲ ሃገራዊ መድረኽ ዕዉት ንኽኸውን ኩሉ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክት ፀዊዑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.