Fana: At a Speed of Life!

ማሕለኻታት ናብ ዕድል ብምቕያር ብዙሓት ዓወታት ተጎናፂፍና – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ 24 መጋቢት፣2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ኣእላፍ ፈተናታት ቃልና ተግቢርና ንውድቀት ዝተዘርግሑ ማሕለኻት ናብ ዕድል ብምቕያር ብዙሓት ዓወታት ተጎናፂፍና ኢና ክብሉ ሚነሲትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር÷ “እንኳዕ ንሻድሻይ ዓመት ሓዱሽ ምዕራፍ ዴሞክራሲን ምዕባለን ኣብፀሐኩም” ክብሉ ኣብ ማሕባዊ ሚዲያ ገፆም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ “ናይ ዘበናት ስብራት ፖለቲካ ብሓዱሽ ፖለቲካዊ ሓሳብ ንኽፅንፅን፣ ድኹም ዓቕሚ ኢኮኖሚ ብብዙሓት ኣማራፂታት ንኽሕምበብ፣ ዝሓመመ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምኽክርን ብዕዙዝ ሞራልን ተሓኪሙ፤ ናይ ወፃ ርክባትና ነባር ርክባቱ ብመሓዝ ብሓዱሽ ኣረኣእያ ብሄራዊ ረብሓና ንኽሕሉ ብመራሒና ኣቢሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ቃል ኣቲና ኢና” ኢሎም።

እዚ ቃል ኣብ ውሽጢ ኣእላፋት ፈተናታት ብምሕላፍ ተግቢርና ክነርኢ ክኢልና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ንውድቀት ዝተዘርግሑ ማሕለኻታት ከም መወርወሪ ዕድል ብምቕያር ብዙሓት ዕድላት ተጎናፂፍና ክብሉ ገሊፆም።

“ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ራኢ ምዕባለ ኢትዮጵያን ህዝባን ብፍፁም መንፈስ ኣገልጋላይነት ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ዘለና ቆራፅነት ሎሚ እውን ክነሕድስ ኢና” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.