Fana: At a Speed of Life!

ማልት ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ 2012 ክሳብ 2014 ዓ/ም (ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመታት) ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣሕዳሪ ዘይኮና ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእላ ምድላዋት ከምዝወገነት ተገሊፁ።

እተን ከተማታት ሑመራ፣ ሸራሮ፣ ሽረ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓዲግራት፣ ዉቕሮ ፣ ዓብይዓዲ፣ ኮረም፣ ኣላማጣ፣ ማይጨዉን መቐለን ኢየን።

ብመሰረት ‘ዙይ ማልት ምስ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓድዋ ብምትሕብባር ብብር 50 ሚልየን ወፃኢ ዝህነፅ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድዋ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ሰረት 5 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ከምዘንበረት ተሓቢሩ።

ኣብ ምንባር እምነ ሰረት እቲ ቤት ትምህርቲ፥ ነበርቲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ማሕበረሰብ ንግድን ከተማ ዓድዋ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ምምሕዳር ከተማ ዓድዋን ተረኺቦም።

ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ምኽትል ፈፃሚ ዳይሬክተርን ሓላፊ ትግበራ ልምዓታዊ ፕሮግራማትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ገብረ ምሩፅ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ማልት ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት መላእ ህዝቢ ትግራይን ፈተዉቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን እናተሓባበረት ልዕሊ 673 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ ኢያ።

ብተወሳኺ 44 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሽዱሽተ ህንፀተን ዝተዛማ 18 ህንፀተን ኣብ ምዝዛም ዝርከባ ብሓፈሻ 24 ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከምኡ’ዉን ንፅሬት ትምህርቲ ወሰንቲ ዝኾኑ ሶፍት ፕሮግራማት ብምትግባር ኣብ ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ክልልና ቁልፊ እጃማ ከምዘበርከተት ተዛሪቦም።

ኣብ ዘፈር ጥዕና ድማ 84 ትካላት ጥዕናን ንትካላት ጥዕና ክልልና ናዉቲ ሕክምና ኣብ ምቕራብን ልዑል ጠመተ ብምሃብ ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ዘቃልሉ ስራሕቲ ከምዝወገነት ገሊፆም።

ከይዲ ህንፀቱ ንምብሳር ተነቢሩ ዘሎ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድዋ ድማ ካብ ከተማ ዓድዋን ከባቢኣን ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፈርዩ ዝበለፁ ተምሃሮ ብምፍራይ ንሃገርናን ኣህጉርናን ኢሉ ‘ዉን ዓለም ንምፍራይ ዘኽእል ብምዃኑ ህዝቢ ህንፀቱ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ኩለመዳይ ሓገዝ ንክገብር ፀዊዖም።

ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ሙሉጌታ ገብሩ ብግዲኦም፥ እቲ ህንፀቱ ንምብሳር እምነ ሰረት ተነቢሩሉ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝዉስኑ ተጋሩ ዝፈርዩሉ ስለዝኾነ ህዝቢ ከተማ ዓድዋ ዝክኣሎ ሓገዝ ንክገብር ኣድለይቲ ዝብሃሉ ስራሕቲ ምልዕዓል ህዝቢ ክነካይድ ኢና ኢሎም።

ፍልፍል፦Tigrai Development Association

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.