Fana: At a Speed of Life!

ማልት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምገባ ተምሃሮ ንምክያድ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምገባ ተምሃሮ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ምስ ኣካላት መከፋፈልቲ ቢራ ንመፈፀሚ ፕሮጀክታት ምገባ ተምሃሮን ህንፀት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ካብ ሓደ ካሳ ቢራ ብር 10 ንምውፋይ ስነ-ስርዓት ስምምዕ ፊርማ ሎሚ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ስምምዕ ፊርማ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዝኣብሄር፥ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ህፃናት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንስነ-ስርዓት ምገባ ሃፍቲ ምትእኽካብ ዘኽእል ስነ-ስርዓት ምትእኽኻብ እቶት ከምዝኾነ ገሊፆም።

መካየዲ ስራሕ ቢራ ዳሽን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረትንሳኤ፣ ማርኬቲንግ ማናጀር ቢራ ሄኒኬን ኣይተ ኣሸናፊ ሰለሞንን መካየዲ ስራሕ ቢራ ሓበሻ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ዳንኤል ፀጋይን ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ርብርብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።

ፃውዒት ማልት ብምቕባል ንፕሮግራም ምገባ ህፃናት ትግራይ፣ ንህንፀት ዝተቛረፁ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ገንዘብ ካብ መሸጣ ቢራ ብምእካብ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ካብ ምውፃእ ዝኽእሉዎ ኩሉ ንምግባር ቃል ምእታዎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.