Fana: At a Speed of Life!

ማልት ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ዘህነፀቶ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕን ህዝብን ምምሕዳርን ጣብያ ዓዲሑፃን ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ተመሪቑ ግልጋሎት ምምሃርን ምስትምሃርን ምሃብ ጀሚሩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሒዛቶ ኣብ ዘላ ስተራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ዳስ ናብ ክላስ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝኣከበቶ ገንዘብ ስራሕቲ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ተሳልጥ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብቲ ምረቓ ቤት ትምህርቲ ንማልት ወኪሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ትልምን ክትትልን መምህር ዝናቡ ግደይ፥ እቲ 4 ክፍሊ መምሀሪ ህንፃን ሽቓቕን ዝሓዘ ቤት ትምህርቲ ብ2 ሚሊየንን 171 ሺሕን 372 ብር ከምዝተሃነፀ ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣብ ዝርከባ 3 ወረዳታት ማእኸል ገይራ ኣብ ምስራሕ ከም እትርከብን ካብዚአን በብዓመቱ 20 ሚልየን ብር ዝግመት ወፃኢ ብምሽፋን ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ይሳለጡላ ዘለዉ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ሓንቲ ምዃና እውን መምህር ዝናቡ ተዛሪቦም።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ 5 ጣብያታት ብልዕሊ 100 ሚልየን ብር ወፃኢ 11 ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.