Fana: At a Speed of Life!

ማላዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ከምትደሊ ፕሬዚዳንት ፒተር ሙታሪካ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚደንት ማላዊ ፕሮፌሰር ፒተር ሙታሪካ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ናብ ስትራቴጂካዊ ርክብ ክዓቢ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ፕሮፌሰር ሙታሪካ፥ መቐመጢኦም ኣብ ናይሮቢ ብምግባር በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኮይኖም ናይ ዝተሾሙ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ደብዳቤ ሽመት ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቶም ተቐቢሎምዎም።

ፕሬዚዳንት ፒተር ሙታሪካ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያን ማላዊን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ትካላትን ምትእስሳር ንኽህሉ ክሰርሓ ይግባእ።

ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ግዘ ናብ ማላዊ በረራ ዘካይድን ምስ መገዲ ኣየር ማላዊ ብሽርክና ዝሰርሕ ዘሎን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልቲአን ሃገራት ብንግዲን ቱሪዝምን ንኽተኣሳሰራ ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ ብግደኦም፥ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ማላዊን ንምጥንኻር ቅድሚ ሕዚ ዝተፈረሙ ሰስምምዓት ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያን ማላዊን ኣብ ዝተፈላለየ ኣቀማምጣ መሬት ዝነብራ ሃገራት ዋላ ይኹና እምበር፥ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት በዓል ብዙሕ ወገን እናተሓጋገዛ ዝፀንሓን እዚ ኣማዕቢልካ ምኻድ ንኽልቲአን ሃገራት ዝጠቅም ከምዝኾነን ምግላፆም ካብ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሬዚዳንት ፒተር ሙታሪካ ኣብ ዩኒቨርቲ ኣዲስ ኣበባ ፕፌሰር ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ከምዝነበሩ ብምሕባር፥ ንኢትዮጵያን መራሕታን ብቐረባ ዝፈልጥዎም ምዃኖም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.