Fana: At a Speed of Life!

ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ልዕሊ 100 ሚሊየን ጨቓውቲ ንሓረስቶት ከከፋፍል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሚሊየን ጨቓውቲ ደርሁ ንሓረስቶት ንምክፍፋል ትልሚ ከምዝሓዘ ተገሊፁ።

መርሃ ግብሪ ምረቓ ፕሮጀክት ምርባሕ ጨቓውቲ ደርሁ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣብ ውሽጢ ልምዓት ሻሎ ሕርሻ ትካል ኤልፎራ ዝፈርያ ጨቓውቲ ኣብ ውሱናት ዘፋርዩ ጥራሕ ዝርከብ ዝነበረ ቀረብ ደርሁ ብስፍሓት ንህዝቢ ንምብፃሕ ዓሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኤልፎራ ሰለሞን ኣሰፋ ተዛሪቦም።

ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2025 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ቢሰሙኑ ንሓረስቶት ምክፍፋል ከምዝጅመር ድማ ተገሊፁ።

ብመቅደስ ኣስፋውን ጥላሁን ይልማን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.