Fana: At a Speed of Life!

ሚዛን ንግዲ ኢትዮጵያን ብራዚልን ንምምሕያሽ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ብራዚል ትልእኾም ፍርያታት መጠን ብምዕባይ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሚዛን ንግዲ ንምምሕያሽ ብምውዳድ ከምዝስራሕ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ምስ ጉጅለ ልኡኽ ብራዚል ርክብን ልውውጥ ንግዲን ክልቲአን ሃገራትን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣባል ብሪክስ ብምዃነን ንግዳዊ ርክበንን ምሕዝነተንን ምጥንኻር ከምዘድሊ ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረሐብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ናብ ብራዚል ዝለኣኹ ፍርያታት ምዕባይ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ብራዚላዊያን መፂኦም መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ክልተኣዊ ርክብ ንግደን ብዝበለፀ ምጉልባት ከምዘድሊ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.