Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ጂቡቲ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ሕቶታት ንምምላስ ከምዝሰርሕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)  ምስ ተወከልቲ ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ተዛቲዮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ጂቡቲ ክህነፅ ብዛዕባ ዝተሓሰበ ቤት ትምህርቲ ኮሚዩኒቲ ሓገዝ፣ ብዛዕባ መሰል ዜጋታት፣ ሃገራዊ ፃውዒታትን እዋናዊ ጉዳያትን እቶም ተወከልቲ ኮሚዩኒቲ ሓሳብ ኣልዒሎም።

እቶም ሚንስትር ብግደኦም እቲ ኮሚዩኒቲ ክሳብ ሕዚ ንሃገራዊ ፃውዒታት እናገበሮ ንዝነበረ ንቑሕ ተሳትፎ ምስጋና ኣቅሪቦም፡፡

እዚ ሰናይ ተግባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምግንዛቦም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ንምሕጋዝ ምስ ዝተጣየሸ ዓቢዪ ኮሚቴ ከምዝሰርሑ ከምኡ እውን ኣብ ጂቡቲ ናይ ዝርከቡ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዛተዩ ኣፍሊጦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.