ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሞሮኮን ቱኒዚያን መዘናኦም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱኒዚያ ሞሓመድ ዓሊ ናፍቲ ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብምዕባይ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝም፣ ኢነርጂ፣ ኣይሲቲን ትምህርቲን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ትኹረት ገይሮም።
ብተመሳሳሊ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱኒዚያ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ተስማዕሚዖም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ምግባር ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡