Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓን ፔካ ሃቪስቶ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ መሊስካ ምጥያሽን መሊስካ ምህናፅ መሰረተ ልምዓትን ኣመልኪቶም ነቶም ፍሉይ ልኡኽ መብርሂ ገይሮምሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምህናፅ ስራሕቲን እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ምስ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዘር ተተሓሒዙ ድማ 26 ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን። ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ኣተሓሒዙ ዘውፀኦ መግለፂ ዝምልከት ቅዋም መንግስቲ ኣብሪሆም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ሕብረት ነቲ ኩነታት ክርዳእን ኢትጵያ ዘጋጥሙዋ ፈተናታት ንኽትዋፃእ ከም ስትራቴጂክ ምሕዝነቱ ንኽዋፃእ ሓቲቶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.