ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዑደት ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ብሩኖ ኤድዋርዶ ሮድሪጌዝ ፓሪላ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዑደት ገይሮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ÷ ዕላዉ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባኣእታዎም ይፍለጥ።
ኣብ ዑደቶም ድማ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓድጊታት ከምዝተዓዘቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ብፅቡቕ ምስሊ እቲ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲን ኣብ ውሽጡ ኣብ ዝርከቡ ታሪኻዊ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ከምዝተደነቑ ገሊፆም።