Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጀሚሮም።

እቲ ዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን÷ ሩሲያ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ፅዕንቶ ንምድንፋዕ ትገብሮ ፃዕሪ ንምምካት ከምዝኾ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ድማ ፈላማይ ኣብ ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ናቭሮቭ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ንግባሮም ይዝከር፡፡

ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ዑደት ፕሪቶሪያ ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅት ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.