Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን አውር ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ መባፅሕቲ ኢንቨስትመንት ዝኾና ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ትካላት ንግዲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት አሐይሎም ንኽቕፅሉ ኣበረታቲዖም፡፡

ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘልዐሉ እቶም ሚኒስትር፥ ጀርመን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ንኢዶም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ህንፀትን ኣመልኪቶም ነቶም ኣምባሳደር ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.