Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ልኡኽ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ልኡኽ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ተዛቲዮም።

ብምክትል ሓላፊ ዓለም ለኸ ርክብ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ኣንድሬ ክሊሞቭ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ይገብር ኣሎ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ እቲ ልኡኽ ፖለቲካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ልዝብ ገይሮም፡፡

እቲ ልኡኽ ምስ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብ ዝተፈላሉ ጉዳያት ተዛቲዮም ኢዮም፡፡

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ፕርቲ ብልፅግናን ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ምክትል ሓላፊ ዓለም ለኸ ርክብ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ኣንድሬ ክሊሞቭ ንሰለስተ መዓልቲታት ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘኣተዊ ኦምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.