Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ትራንስፖርት ዝጀመሮ ሕድሳት ገዛውቲ ዛዚሙ ንተረባሕቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 10 ዘጀመሮ ሕድሳት ገዛውቲ ብምዝዛም ንተረባሕቲ ኣረኪቡ።

እቲ ሕድሳት፥ ትካል ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ትራንስፖርት ሙሉእ ወፃኢኡ ብምሽፋን ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ኣወል ወግሪስ ንሃገር ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም ሰባት ኣብ እዋን መጠወሪኦም ምሕጋዝ፣ ክርብሑ ምግባርን ኣብ ጎንኹም ኢና ምባልን ግቡእ ስለዝኾነ፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት ብምትሕብባር እዚ ዓይነት ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ትካል ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ትራንስፖርት ወይዘሮ ፍሬህይወት ትልቁ ብግደአን፥ እቲ ትካል 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ወፃ ብምግባር ንምንባር ዘይምችዉ ገዛውቲ ዝተማልአ ናውቲ ገዛ ብምምላእ ናይ ክልተ ዘኽታማት ገዛ ሰሪሑ ከምዘረከበ ገሊፀን።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ እዋን ክረምታዊ ወለንታ ብምስታፍ 19 ገዛውቲ አሐዲሱ ንተጠቀምቲ ከማዘመሓላለፈን ኣብ ክልል ጋምቤላ እውን ሕድሳት ገዛውቲ ከምዝጀመረን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.