Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ርኽክብ ስራሕ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓዱሽ ምጥያሽ መንግስቲ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኮይኖም ዝተሸሙ ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ካብ ነበር ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ርኽክብ ስራሕ ገይሮም።

ኣብ እዋን እቲ ርኽክብ ኣወዳድባ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዝተሓሰቡ ትልሚታት ብዶክተር ሂሩት ካሳው መብርሂ ተዋሂቡዎም፡፡

ኣይተ ቀጀላ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኮይኖም ምሻሞም ሓጎስ ከምዝተሰመዖም ብምግላፅ፥ ምስሊ ኢትዮጵያ ክቕይር ዝኽእል ስራሕ ንምስራሕ ዝተነበረሎም ሃገራዊ ሓላፍነት ምስ ዘሎ ኣመራርሓነር ሰራሕተኛን ብምዝታይ ብትግሃት ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም፡፡

ኣመራርሓታት እቲ ሚኒስቴር ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ ምስጋና ምቕራቦም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.